ሶማሊላንድ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ከፊታ

ምንጪ ስእሊ, Prime Minister of Israel's Office
ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብታ ኣፍልጦ ዝሃበታ እንኮ ሃገረ እስራኤል ፈላሚ ኤምባሲ ከፊታ።
ኣብቲ ሎሚ ኣብ እዮርሳሌም ዝተፈጸመ ስነስርዓት ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ዒሮ) ተረኺቡ ነይሩ።
እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ከምዝሃበታ ይዝከር።
ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ዝተቓወመት ሞቓድሾ ሶማሊላንድ ዘይትቚረስ ኣካል ዓባይ ሶማልያ ምዃና'ያ ትኣምን።
ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ዝርከብዎም ወገናት ነቲ ኣፍልጦ ምንቃፎም ይዝከር።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሶማሊላንድ ዝወሃብ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ብምንጻግ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ንምኽባር ዘለዎ መርገጺ ኣነጺሩ ነይሩ።
ዒሮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል ብምርኻብ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ምትሕግጋዝ ክላዘብ ቀንዩ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ እዮርሳሌም ምኽፋቱ'ውን ተባዕ ስጉምቲ ምዃኑ ነታንያሁ ንኢዱ። ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ኣብ ክንዲ ኣብታ ኣሰሓሓቢት ከተማ እዮርሳሌም፡ ኤምባሲታተን ኣብ ቴል ኣቪቭ እየን ዝኸፍታ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንእስራኤል ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ፡ ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ ናብ እዮርሳሌም ምግዓዙ ካብ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ወገናት ዓቢ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ።
ጓቲማላ፡ ሆንዱራስ፡ ኮሶቮ፡ ፓፗ ኒው ጊኒ፡ ፓራጓይን ፊጂን'ውን ኤምባሲታተን ናብ እዮርሳሌም ዘግዓዛ ወይ ዝኸፈታ ሃገራት እየን።
















